ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ምስ ትካል ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብምትሕብባር ንምስራሕ ተፈራሪሙ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /29/2016 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ምስ ትካል ፋውንዴሽን ፎር ሩራል ዴቨሎፕመንት ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕ ተፈራሪሙ።

እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(/) ዳይሬክተር እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኢትዮጵያ ይን ቼንን እዮም ፈሪመምዎ።

ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(/) እቲ ስምምዕ ደገፍ ምስፍሕፋሕ ምገባ ተምሃሮ፣ምርግጋፅ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ፣ምዝርጋሕ ተሓዳሲ ሓይሊ ሶላርን ናውቲ ፅሩይ ዝስተ ማይን ትምህርትን ዝሓዘ እዩ ኢለን።

እቶም ፕሮጀክትታት እቲ ሕብረተሰብ ካብ ተመፅዋታይነት ሓራ ብምውፃእ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ዘኽእሉ እዮም ክብላ እውን ገሊፀን።

ዳይሬክተር እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኢትዮጵያ ይን ቼን ብግደኦም፤ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ደገፍ እናተገበረ ከምዝፀንሐ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም