ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ዝግበር ህንፀት ኣባይቲ ኣዋሬ ብስሉጥ ኩነታት ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/29/ 2016 /ኢዜአ/ በቢዓመቱ ንኣረጋዊያንን ትሑት እቶት ዘለዎም ወገናትን ኣብ ሕድሳትን ህንፀትን ኣባይቲ ጠመተ ዝገበረ ማሕበራዊ እወንታዊ ስራሕ ቁልፊ ዓምዲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ኢዩ ክብል ቤት ፅሐፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ኣብ ከባቢ ኣዋሪ ንሰባት ዝሓሸን ዝበለፀን ኣነባብራ ንምፍጣር ዝግበር ዘሎ ምንስቓስ ለውጢ ብኣካላት መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ዝትግበር ናይዚ ትልሚ ዓብዩ ኣካል ኢዩ ኢሉ።

ናይ ሎሚ ዘበን ስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ኣብ ወርሒ ግንቦት ዘጀመርዎ እንትኸውን፥ ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ዝግበር ህንፀት ኣባይቲ ብስሉጥ ኩነታት ይካየድ ከምዘሎ ገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም