ልዕሊ 550 ቢሊየን ብር ተወሳኺ ባጀት ንምፅዳቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክቐርብ ኢዩ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/29/ 2016 /ኢዜአ/ ንበጀት ዓመት 2017 . ዝኸውን ልዕሊ 550 ቢሊየን ብር ተወሳኺ ባጀት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ንምፅዳቕ ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (/) ትግባረ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብሪሂኦም፥ እቲ ምምሕያሽ ፖሊሲ ዘላቒን ኣተኣማማንን ኢኮኖሚ ንምህናፅ መሰረት ዘንብር ኢዩ ኢሎም።

እቲ ፖሊሲ ተግባራዊ ምዃኑ ስዒቡ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ፋይናንስ ደገፍ ይገብሩ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

ነዚ ስዒቡ ሚኒስቴር ገንዘብ ንባጀት ዓመት 2017 . ዕላዊ ካብ ዝገበሮ ባጀት መንግስቲ ፌዴራል ተወሳኺ ባጀት ከምዘፅድቕ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ልዕሊ 550 ቢሊየን ብር ተወሳኺ ባጀት ንምፅዳቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክቐርብ ኢዩ ኢሎም።

ካብ መንጎ እቲ ተወሳኺ ባጀት እቲ 240 ቢሊየን ብር ንማሕበራዊ ልምዓት ዝውዕል ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም